Animation av en vattenkanna som vattnar en vissen krukväxt.

ቀዳማይ ረድኤት ኣብ ጊዜ ሓዘን (Tigrinja)

ንሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ ኣብ ጥቕኡ ብምህላው፥ ህይወቱ ንምቅላል ኪሕግዙ ዚኽእሉ ጭቡጥ ምኽሪታት።

ሓዘን ክትሕክሞ ትኽእል ነገር ኣይኰነን። ተኻፋላይ ናይቲ ሓዘን ብምዃንካ ግን፥ ነቲ ሰብ ሓዘኑ ንኽጸውር
ክትድግፎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብዚ ሰሌዳዊ-ጽሑፍ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ምኽሪታት፥ ካብቲ ”ቤተክርስትያን
ሽወደን” ንሓዘንተኛታት ኣብ ምብጻሕን ኣብ ምድጋፍን፥ ንነዊሕ ዓመታት ዝኣከቦ ተሞኩሮ መሰረት ዝገበረ
ኰይኑ፤ ካብቲ ንሕና ንሓደ ሓዘተኛ ብጻይና ክንገብረሉ ንኽእል ብዙሕ ነገራት፥ ገለ ኣብነታት ካብኡ
ንምጥቃስ’ዩ። ነቲ ንእሽቶ’ዩ ዚበሃል ነገር ’ውን ኣይንንዓቆ፥ እቲ ንእሽቶ’ዩ እንብሎ ውን፡ ዓቢይ ትርጉም
ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ተወሳኺ ደገፍ ምስ ዘድልየካ ወይ ውን ንሓደ ሰብ ክተዘራርብ ምስ ትደሊ፥ ናብቲ
ናትካ ቤተክርስትያን ክትመጽእ ዕዱም ኢኻ። ናይ ርክብ ሓበሬታን ካልእ ብዙሕ ጭቡጥ ምኽሪታትን ኣብ
ኣድራሻ ኢንተርነት svenskakyrkan.se/forstahjalpenvidsorg ክትረክብ ኢኻ።

Första hjälpen vid sorg