ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ እዋን ሕማም ኮሮና

ሓደ ኣባል ስድራቤት ወይ ፈታዊ ኣብ ዝሞተሉ እዋን ተራኺብና ብሓባር ክንሓዝን፥ ነቲ መዋቲ ውን ክንሰናበቶን ይርድልየና’ዩ። እንተዀነ ግን፡ በዚ ኮሮና-ቪሩስ ምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ፍሉይ ኩነታት፥ መታን ነቲ ምልባዕ ሕማም ክንዓግቶ፥ ነቲ ኣተገባብራ ስነ-ስርዓት ቀብርታትና ውን ምስኡ ክነዛምዶ ከድልየና እዩ።

ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ለበዳ ተኸሲቱሉ ዘሎ እዋን፥ እቶም ኣብ ሽወደን ሓላፍነት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘሎዎም ሰባት፥ ንዓኻ ቀረብ ናይቲ መዋቲ ዝዀንካ ሰብ፥ ነቲ ስርዓት ኣፈጻጽማ ቀብሪ ምዕሩግን ወግዓዊን ንኽኰነልካ፥ ክተሓጋገዙኻ እዮም። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣተገባብርኡን፥ ነቲ ንኣተገባብርኡ ዚምልከት ሕጊታትን መግለጺ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ንንጥፈታት ስርዓተ-ቀብሪ ሓላፍነት ዚወስድ መንዩ?

ኣብ ሃገር ሽወደን ሓላፍነት ንጥፈታት ቀብሪ፥ ናይተን ኣብ ትሕቲ “ቤተ-ክርስትያን-ሽወደን” ዝመሓደራ ሰበኻታትን ኣብያተክርስትያን ናይ ስቶክሆልምን ናይ ትራኖስ-ኮሙንን እዩ። እቲ ነቲ ንጥፈታት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ወግዓዊ ሓላፍነት ዘሎዎ ምምሕዳር፥ እቲ “ዋና-ቤትስልጣን” (ሁቩድ-ማን) ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ካብቶም እቲ እዚ “ዋና-ቤትስልጣን’ዚ”፥ ካብቲ መዋቲ ሰብ ዝሓደጎ ገንዘብ ከይተኸፍለ ዘተግብሮም ሓላፍነታት እዞም ዚስዕቡ፡-

  • ኣብ ቦታ ህዛባዊ-መቓብር፡ ነቲ መዋቲ ናይ 25 ዓመት ቦታ ወይ ካልእ ምድላው
  • መቓብር ምውዳድ - ነቲ መቓብር ምዅዓትን፡ መሊእካ ምዝዛምን
  • ካብቲ ሓላፍነት ዝተቐበለሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳብ ግብኣተ-መሬት ዚፍጸም ሬሳ ምምልላስ። እቲ ናይ ሬሳ ትራንስፖርት ናብ ካልእ ካብ ምምሕዳሩ ወጻኢ ዝዀነ መካነ-መቓብር ምስ ዘይከውን፤ እንተደኣ ንሓደ ፍሉይ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንምክያድ ዝተኣትወ ናይ ትራንስፖርት ውዕል ዘይሃልዩ።
  • ምንዳድ ሬሳ
  • ሬሳ ዝጸንሓሉን፡ ንመወዳእታ ጊዜ መጺእካ ክትርእየሉ ትኽእል ቦታ ምድላው
  • ሃይማኖታዊ ምልክታት ዘይብሉ ስርዓተ-ቀብሪ ዚካየደሉ ኣዳራሽ ምድላው

 ብተወሳኺ እዚ “ዋና-ቤትስልጣን’ዚ”፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ምምሕዳሩ ወይ ኣብቲ ከባቢኡ ዘሎ ምምሕዳራዊ ቦታ፥ እቶም እምነት ክርስትና ዘይብሎም ሰባት ዚቕበሩሉ ፍሉይ መካነ-መቓብር ምድላው። 

እዚ “ዋና-ቤትስልጣን’ዚ” (Svenska kyrkan samt Stockholms och Tranås kommuner) ንዅሎም ነበርቲ ሽወደን ናይ ስርዓተ-ቀብሪ ንጥፈታት ንኸመሓድር፥ ካብ ሕብረተሰብ ዝተቐበሎ ወግዓዊ መዝነት ኣሎዎ’ዩ። እዚ መዝነት’ዚ ኣብ ሕጊ ሽወደን ዝሰፈረ’ዩ። እዚ “ቤትስልጣን’ዚ”፡ ነቲ ሰባት ካብ ነንበይኑ ሃይማኖታዊ ልምዲታት ምምጽኦምን፥ ግለ-ሰባት ውን ፍሉይ ናይ ቀብሪ ስርዓት ኪህልዎም ምድላዮም፥ ግቡእ ክብሪ ይህቦ’ዩ።    

ነቶም ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ቀብሪ ንኺግበረሎም ዝደልዩ ስድራቤታት ውን፥ እዚ “ቤትስልጣን’ዚ” ከምኡ ንክዀነሎም፥ ዝክኣሎ ዅሉ ጻዕሪ ኺገብር’ዩ።

እዚ “ቤትስልጣን’ዚ”፡ ቀቅድሚ ቀብሪ ንገለ ሃይማኖታዊ-ስርዓታትን ዚኸውን ኣዳራሽን መሳርሒታትን ከዳሉ፥ ንኣብነት ከም ምሕጻብ ሬሳ ዝኣመሰለ ጉዳይ ምፍጻም ግን ግዴታ የብሉን። ነዚ ዚገብሮ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መዋቲ ኣባል ዝዀነሉ ናይ እምነት ማሕበር ጥራይ’ዩ።

መደብ ቀብሪ ዘውጽኡ ስድራቤት ናይቲ መዋቲ’ዮም

ነቲ መደብ ናይ ቀብሪ ዘውጽኡን ዘዳልዉን፥ እቶም ስድራቤት ናይቲ መዋቲ’ዮም። እቲ መዋቲ ኣባል “ቤተክርስትያን” ሽወደን ምስ ዚኸውን፥ እቲ ልሙድ ነገር፡ እቶም ስድራቤት መዋቲ ምስቲ ካህን ናይቲ ስርዓት-ቀብሪ ዝካየደሉ ቤተክርስትያን ሓቢሮም፥ ነቲ መደብ ስርዓተ-ቀብሪ የዳልውዎ። እቲ መዋቲ እንተ ደኣ ኣባል ናይ ካልእ እምነት ማሕበር (ንኣብነት ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣይህዱነት፡ ምስልምና፡ “ቡዲዝም” ወይ “ሂንዱዊዝም”) ኰይኑ፥ እቶም ናይ መዋቲ ስድራቤት፥ ምስ ሓደ ወኪል ናይቲ ዚምልከቶ ማሕበር ኰይኖም፥ ነቲ ናይ ስርዓተ-ስንብታ መደብ የውጽእዎ። ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወጻኢ ዝዀነ ስርዓተ-ቀብሪ (በርጌሳዊ-ቀብሪ) ውን ክዳለወሉ ዚኽእል ዕድል ኣሎ’ዩ።

እቲ መዋቲ ሰብ፡ ቤተሰብ ምስ ዘይብሉ ምስ ዚኽውን ወይ ውን ሓላፍነት ኪወስዱሉ ምስ ዘይደልዩ፥ ነቲ ሰብቲ ናይ ምቕባር ሓላፍነት፥ ናይቲ ኮሙን’ዩ ዚኸውን። ነቲ ስርዓርት-ቀብሪ መን የካይዶ ብዘየገድስ፥ እቲ ድሌት ናይቲ መዋቲ፡ ማለት ብሳንዱቕ ኪቕበር ወይ ክነድድ፥ ብዝተኻእለ መጠን ኪኽበረሉ ይግባእ።

እቲ ምዉት ኪቕበር ‘ድዩስ ወይ ኪነድድ

ኣብዚ ጊዜና ኣብ ሽወደን፡ ክልተ ፍቑዳት ኣገባብ ስርዓተ-ቀብሪ’ዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ብግብኣተ-መሬት እቲ ካልኣይ ኣገባብ ድማ፡ ሬሳ ብሓዊ ተቓጺሉ - ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ሓምዅሽቲ ምቕባሩ እዩ። ኣየናይ ኣገባብ ንኺግበር ዚውስኑ፥ እቶም ስድራቤት መዋቲ እዮም።

ሬሳ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክቕበር ወይ ክነድድ ኪግበር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። እቲ ዝነውሐ ኣብ ሞንጎ ዕለተ-ሞትን ግብኣተ-መሬትን ዚፍቀድ ናይ ምጽባይ ጊዜ፥ ሓደ ወርሒ’ዩ። ነዚ ንኸይፍጸም ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዚህሉ፥ ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ (ስካተቨርከት)፥ እቲ ምቕባር ወይ ምንዳድ ንኽደናጐ ፍቓድ ኪህብ ዚኽእል። እቲ ብድሕሪ ምንዳድ ሬሳ ዝተኣከበ ሓምዅሽቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክቕበር ይግባእ። ንምንዋሕ ቀብሪ ናይቲ ሓምዅሽቲ ከፍቕድ ዚኽእል፥ እቲ “ዋና-ቤትስልጣን’ዩ” እዩ።

ብምኽንያት “ኮቪድ-19” ዝወጸ ፍሉይ መምርሒ

እቲ ቀብሪ ዚፍጸመሉ ጊዜ

ገለ ሓዘንተኛታት ናይቲ መዋቲ፥ ብምኽንያት “ኮሮና-19” ነቲ ሰርዓተ-ቀብሪ ከዳናጕይዎ ዚደልዩ ኣሎዉ። እንተ ዀነ ግን፡ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ብድሕሪ ሞት፡ እቲ ምቕባር ወይ ምንዳድ ናይቲ ሬሳ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ - እንተ ነውሐ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኪግበር’ዩ ዚእዝዝ።

ነቲ ናይ ቀብሪ ጊዜ ንዘይምንውሑ ውን፥ ካልእ ምኽንያት ኣሎዉ’ዮም። እቲ ዚግበር ስነ-ስርዓት-ቀብሪ፥ ሓደ ክፋል ናይቲ ናይ ሓዘን መስርሕ እዩ። ተሞኩሮ ህይወት ከም ዚምህረና፡ ብዙሕ ጊዜ እቲ ቀብሪ ክከናወን ከሎ፥ ነቲ ምሕዛን ውን የቕልሎ’ዩ። ብኻልእ ውን፡ እንተ ደኣ ብዙሓት ሰባት ቀብሪ ከደናጕዩ ደልዮም፥ መኸዘኒ ሬሳታት ናይ ምርካብ ውን ዓቢይ ሽግር ኪመጽእ ይኽእል’ዩ።

ዋላ እቲ ኵነታት ከምኡ ኰይኑ እምበር፥ ኣነስ ስርዓተ ቀብሪ ከጽንሖ’የ ትብል እንተ ዄንካ፥ ሓደ ካብቶም ኣማረጽቲ፥ ነቲ ሬሳ ኣንዲድካ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ምጽባ’ዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፥ ንሓደ  ዓመት ዚኣክል ክትጽበ ይክኣል እዩ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዚፍጸመሉ ጊዜ ድማ፥ ኣብ ክንዲ’ቲ ሬሳ፡ ነቲ ሓምዅሽቲ ዝተኣርነበሉ ቁራዕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።         

 ኣብ ካልእ ጊዜ ዝክር ምግባር

ከምቲ ቀረብ ዝደልዮ ኣገባብ ጌርካ ስርዓት ቀብሪ ንምድላው ዘይክኣል ምስ ዚኸውን፥ እንታይ ምግባርዩ ዚሓይሽ? ሰብ ንምእካብ ኣብ ዝክኣለሉ ካልእ ጊዜ፥ ሰብ ዓዲምካ ናይ ተዝካር ዕድመ ምግባር፥ ካልእ ኣማራጺ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ውን ሰብ ከከም ሃይማኖቱን ልምዱን፥ ጸሎትን መንፈሳዊ ስርዓተ-ቅዳሴ ክገብር ይኽእል’ዩ።

 ናይ ቀብሪ ሃይማኖታዊ-ቅድሴን ናይ መፋነዊ-ጉባኤን

ከም ቀረብ ናይቲ መዋቲ ምዃንካ፥ ነቲ ናይ ቀብሪ-ቅድሴ ወይ መፋነዊ-ጉባኤ ከምቲ ትደልዮ ኣገባብ ጌርካ ንኽተዳልዎ፥ ካብ ወከልቲ ናይተን ሃይማኖታውያን ማሕበራት፥ ሓገዝ ክትረክብ ይክኣል’ዩ። ኣብ ከምዚ ናይ ኮሮና ጊዜ ግን፥ ኣብቲ ትገብሮ ምድላው፡ ገለ ክትፈልጦም ዘድልዩ ሓቅታት ኣሎዉ። ከም ቀረብ ናይቲ መዋቲ ሰብ ብምዃንካ፥ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ንዓኻን ንስድራቤትካን ውሕስነት ብዘሎዎ ኣገባብ ዚትግበረሉ ኣገባብ፥ ምስቶም ወከልቲ ናይ ሃይማኖታዊ ማሕበርካ ክትላዘብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ተባሂሉ ዚግበር ናይ ቅዳሴ ኣኼባ ወይ መፋነዊ-ጉባኤ፥ ብሕጊ ሽወደን ከም ህዝባዊ ኣኼባ’ዩ ዚቝጸር። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ መንግስቲ ሽወደን፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት፡ ቁጽሪ ናይቶም ተሳተፍቲ ሰባት ዝተወሰነ ንኪኸውን፥ በዚሖም እንተ ተባህለ 50 ሰብ ጥራይ ንኪዀኑ ወሲኑ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብዝተኻእለ መጠን ዝወሓደ ሰባት ኪእከቡ፥ እቲ ቅኑዕ ነገር ንሱ’ዩ።

እቶም ኣብ ጉባኤ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዚእከቡ ሰባት፡-

  • ኣብ ነንሕድሕዶም ናይ 2 ሜትሮ ምርሕሓቕ ኪህልዎም
  • ግቡእ ናይ ኢድ ጽሬት ኪህልዎም
  • ዘይሓመሙ ኪዀኑ
  • ካብ ኣካላዊ ምትሕቑቓፍን ናይ ኢድ ሰላምታ ምሃብን ኪቝጠቡ ይግባእ።         

ነቶም ናብ ስነ-ስርዓት-ቀብሪ ወይ መፋነዊ-ጉባኤ ንኽመጽኡ እትዕድሞ ብዝሒ ሰብ፥ እቲ ስፍሓት ናይቲ ሰብ ዚእከበሉ ኣዳራሽ፥ ንሱ ወሳኒ ምዃኑ ምዝካር የድሊ።

ዋላ’ኳ ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ደገ ውን ክትገብሮ እንተ መረጽካ፥ እቲ ቦታት’ቲ ነቲ ብመሰረት ናይቲ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሕቀትካ ናይ  ምሕላው መምርሒ፥ ንዕኡ ዘማልእ ኪኸውን ይግባእ። ብመሰረት እቲ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ኣውጺእዎ ዘሎ መምርሒ ውን፥ ካብቶም ጉጅለ-ሓደጋ ዝዀኑ ወይ ምልክት ሕማም ዝተሰምዖም ሰባት፥ ኣብቲ ጉባኤ ቀብሪ ንኸይርከቡ እዩ።  

 ናይ ዝክሪ ጉባኤ - ብቐጥታ ብድሕሪ’ቲ ቀብሪ

ብቐጥታ ብድሕር’ቲ ቀብሪ እትገብሮ ናይ ዝኽሪ ጉባኤ፥ ጽቡቕ ክስምዓካን፡ ናይ ቤተሰብን ፈተውትን ሕብረት ረኺብካ ክትመውቕን ትኽእል ኢኻ። እቲ ንለበዳ ምክልኻል ተባሂሉ ብመንግስትን “ብቤተስልጣን ጥዕና-ህዝቢን” ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፤ ኣብ ከምዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ውን የገልግል እዩ። እቶም ኣጋይሽ፡ ነቲ ብመምርሒ ወጺኡ ዘሎ ናይ ሕድሕዶም-ምርሕሓቕ ኪሕልዉዎ፥ ናይ ኣእዳዎም ጽሬት ኪሕልዉ ከምኡ ውን ካብ ኣካላዊ ምትሕቝቛፍ ኪቝጠቡ ኣሎዎም። ኣብቲ መግቢን መስተን ዚቕረበሉ ውን፥ ኣኣብ ጣውላኻ ክትግልግለ ደኣ እምበር፤ ብመስርዕ እናተጸቓቐትካ እትወስደሉ ናይ መግቢን-መስተን ጣውላ ኪኸውን ኣይግባእን።

ናይ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣማራጺ ኪኸውን ዚኽእል ኣገባብ ቀብሪ

ብምኽንያት ናይዚ “ኮቪድ-19” ምምጻእ፥ ካልእ ናይ ቀብሪ/ፈነዋ ኣፈጻጽማ ኣገባባት ክተናዲ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። ኣብዚ ዚስዕብ ገለ-ገለ ክትሓስበሎም ትኽእል ኣማራጺታት እንሆ፡-

  • ንኣጋይሽካ፡ ናብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ወይ ውን ናብ ዝተቐድሐ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንኽሳተፉ ምዕዳም። ንሓደ ካብቶም ናይ ቀብሪ ተኻፈልቲ፥ ፊልም እናሰኣለ ብቐጥታ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ካልእ ዲጂታላዊ-መሳርሒ ተጠቒምካ ከምዝተሓላለፍ ምግባር። ወይ ውን ነቲ ዝተቐድሐ ፊልም ክትልእከሎም ይክኣል’ዩ።
  • ንግዚኡ ሓጺር ቀብሪ ምክያድ - ዕብይ ዝበለ ናይ ዝክር ጉባኤ ድማ ጸኒሕካ ምግባር ይክኣል’ዩ። ስድራቤት ጥራይ ዝተረኽቡዎ ጸቢብ ስነ-ስርዓት-ቀብሪ፥ ምዕሩግን ኣዕጋቢን ኪኸውን ውን ይኽእል’ዩ። ከም ቤተሰብ መጠን ድሌት ተድኣ’ልዩካ ውን፥ ኣብ ካልእ ጊዜ ስፍሕ ዝበለ ናይቲ መዋቲ ናይ ዝክር ጉባኤ ክትጽውዕ ይክኣል’ዩ።   
  • ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብድሕሪ ሬሳ ምንዳድ። እቲ ሬሳ ምስ ነደደ ውን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኪግበር ይክኣልዩ። ሽዑ ግን ኣብ ክንዲ ሳጹን-ሬሳ ምጥቃም፥ በቲ ኣብ ቁራዕ ዝተኣከበ ሓምዅሽቲ ጌርካ ቀብሪ ንምግባር፥ ክሳዕ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ጊዜ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ።